ኣብቲ መጀመርታ ኣዋርሕ ናብ ጀርመን ዝመጻእኩምሉ ብዙሕ ቆጸራታት ምስ ናይ መንግስቲ ቤትጽሕፈታት ኔሩኩም ይኸዉን እዩ። ኣብ ሰዓትካ ምርካብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ርኢኹሞ ትኾኑ ኢኹም። ኣብ ጀርመን ቆጸራ ምኽባር ኣዝዩ ዓብዪ ነገር እዩ። ኣብ ቆጸራኻ ቀልጥፍካ ምስ እትርከብ ዓብዪ ክብረት እዩ፣ ትድንጒ እንተ ኮንካ ድማ ኣቀዲምካ ምሕባር ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ፣ ዶንጊኻ ምምጻእ ግን ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፣ ናብ ዝኾነ ቆጸራ ዶንጊኻ እንተ መጺእካ ሕማቕ እዩ። ናብ ናይ ስራሕ ቆጸራ ዶንጊኻ ምምጻእ ስራሕካ ምግዳፍ ማለት እዩ ካልኣይ ግዜ ዉን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ዉን ምስ ቆጸራ ምኽባር ዝተታሓሓዘ እዩ። ሰራሕተኛ ናይ ሓንቲ ትካል ኮንካ ቆጸራኻ ዘይተኽብር እንተ ኮንካ ናብ ምስጓግ ዉን ክስዕብ ይኽእል እዩ።