Sprache waehlen

ጽምዋ ወይ ብሕታዉነት

ዝኾነ ሰብ ጥቡቕ ርክብ ምስ ካልእ ሰብ የድልዮ እዩ። ስለ ዘይሰመረልካ(ኪ)፡ ብተደጋጋሚ ናብ ፍርሕን ጽምዋን ወይ ብሕትዉና ይመርሓካ(ኪ) ኣሎ፡ ከመይ ጌርካ ነዚ ናይ ጽምዋ ወይ ብሕትዉና ግዜ ክትስዕሮ- ክትስዕርዮ ከም ትኽእል(ሊ) ኣብዚ ተወከስ(ሲ)።

ጽምዋ ወይ ብሕታዉነት
Foto: Klaus Nielsen, pexels.com

Feel free to share it

ብዙሓት ሰባት ንብሕቶም(ተን) ይነብሩ(ራ)፡ ብፍላይ ነተን ሃብታማት ሃገራት ንኣብነት ከም በዓል ፈደራላዊት ሪፓፕሊክ ጀርመን መብዛሕትኡ ህዝበን ንዉልቁ ይነብር። ከሞኡ ዉን ብፍላይ ነቶም(ተን) ካብ ካልእ ሃገራት ናባና ዝመጹ(ጻ) ሰባት ንኣብነት ሓተቲ ዑቅባ (ስደተኛታት) ካብ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ምስ ስድራ ቤቶም(ተን) ኣዕሩኽ – መሓዝቶም(ተን) ካባና ብዝተፈልየ ኣገባብ ዘለዎም(ወን) ሰባት ብዝዓበየ የጥቕዖም(ዐን)።

ምኽንያት ጽምዋ (ብሕታዉነት)

ጽምዋ ወይ ብሕታዉነት ብቡዙሕ ምኽንያት የጋጥም ንኣብነት ብምኽንያት ዕድመ፡ ናይ ጥዕና ጸገም፣ ድኽነት፣ ብፍልላይ ካብ ቤተሰብ ብምኽንያት ምቅያር ቦታ ወይ ስደት፣ ካብ ስራሕ ብምስንባት ወይ ማሕበራዊ ናብራ ብምቕያር፣ ጥሮታ፣ ሞት ናይ ቀረባ ሰብ ወዘተ.... ብግዝያዊ ኣጋጢሙ ብዘሎ ኩነታት ክንርእዮ እንተኾይና ኣብነት ካብ ቅረብትኻ(ኺ) ብምፍላይ፣ ምትእኽኻብ ምስ መቕርብን ፈተዉትን ምሕሳም ብምኽንያት ለብዒ ኮሮና ቫይረስ ወይ ድማ (ኮቪድ 19)።

ብዛዕባ ጽምዋ ወይ ብሕትዉና ፉቱው ኣይኮነን፡ ከም ጌጋ ምዝራብ ስለ ዝረአ። ግን ከም ነብሰ ምትሓት ክትሓስቦ(ብዮ) የብልካን(ክን) ዝኾነ ሰብ ጽምዋ ወይ ብሕትዉና ክስምዖ ይኽእል እዩ። እቲ(ታ) ምስ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ርክብ ዘለዎ(ዋ) ምስ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ክዛራረብ(ቢ) ትኽእል(ሊ) እንተኮንካ(ኪ) ጽቡቕ ይስመዓካ(ኪ)። ከሞኡ ዉን ሓደ(ቲ) ሰብ ናይ ግድን ምስ ካልእ ሰብ ርክብ የድልዮ እዩ።

ኣንጻር ጽምዋ ወይ ብሕታዉነት ክሕግዙ ዝኽእሉ

ጽምዋ ወይ ብሕትዉና ኣለካ'ዶ – ኣለኪ'ዶ ? ወይ ኣብ ጎንኻ(ኺ) ደዉ ዝብለልካ(ኪ) ትደሊ'ዶ ነቶም(ተን) ጽምዋ ወይ ብሕትዉና ዘለዎም(ወን) ? ገለ ሓሳባት ወይ መብሪሂታት

  • ዉሽጥኻ(ኺ) ክፈቶ- ክፈትዮ፡ ቅኑዕ ወይ ድማ እሙን ዝኾነ ምሕዝነት ድለ(ዪ)፡ ርእሰ ተኣማንነት ይሃልኻ(ኺ) ነዚ ግዜ ክህልወካ(ኪ) ኣለዎ ክትሕለል(ሊ) ተስፋ ክትቖርጽ(ጺ) የብልካን(ክን)!
  • ሰባት የድልዩኻ(ኺ) እቶም(ተን) ኣብ ጸገምካ(ኪ) ዝሓስቡ፡(ባ) ከሞኡ ውን ከም ዘለኻዮ(ኽዮ) ከም ነብስኻ(ኺ) ዝቅቦልኻን(ኺን) ግዚኦም(አን) ዝውፉዩልካን(ኪን)
  • ዕጫ ናይ ሂወትካ(ኪ) እንታይ እዩ ? ነብሰ ምትሕስት ክህልወካ(ኪ) የብሉን መንገድኻ(ኺ) ከተለሊ(ዪ) ኣለካ(ኪ) ንነብስኻ(ኺ) ሓጎስ ክፈጥሩላ ዝኽእሉ ንኣብነት ኣብ ናይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘካይዳ ማሕበርራት ከምኡ ዉን ናይ ሙዚቃ(ዜማ) ን ማሕበራት ወዘተ….. ክትኣቱ(ዊ) ኣለካ(ኪ)
  • ናይ መዓልታዊ መደብካ(ኪ) ምሕንጻጽ ሓጋዚ እዩ፡ ካብ ስነ ኣእምራዊ ጸቕጢ ንክትናገፍ(ፊ) ኣብ ብባህርያዊ ተፈትሮ ዘለዎ ልሙዕ ቦታ ንጹህ ኣየር (ንፋስ) ክተተንስ(ሲ) ክትከይድ(ዲ) ስለካ(ኪ) ንህድኣትካ(ኪ) ይጠቅምካ(ኪ) እዩ
  • ንሙዚቃ(ዜማ) ምንባብን ካልእን ግዜ ፍለ(ዪ) ንበይንኻ(ኺ) ክትከዉን(ኒ) ከለካ(ኺ) ኩሉ ክፈኹሰልካ(ኪ) እዩግልጽን በሊሕ – በላሕ፡ ትጉህ – ትግህቲ ኩን(ኒ) ሓዲሽ መንገዲ ወይ ኣማራጺ ንኸተለሊ(ዪ) ቅኑዕ ኣምኻሪ(ት) ካብ ከባቢኻ(ኺ) ዉን ሓጋዚ እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ(ኺ) ባህርያት ንምፍላጥ፡ ዓሚቕ ዝምድና ወይ ድማ ርክብ ከይህልወካ(ኪ) ጸገም ንዝፈጥሩ ከተዕርዮም ክትጽዕር(ሪ) ኣለካ(ኪ)

እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ኣይገድፈካን(ኪን) እዩ

ሂወትካ(ኪ) ፍጹም ክቕየር እዩ፡ ናይ ሓቂ እምነት ወይ ርክብ ምስ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ምስ ዝህልወካ(ኪ) ንሱ ኩሉ ግዜ ምሳኻ(ኺ) እዩ፡ እግዚኣቢሄር ቃል ኣትዩልካ(ኪ) “ንሳኻ ድማ ክኸዉን እየ፡ ኣይሓድገካን ኣይጥንጥነካን ዉን” መጽሓፍ እያሱ ምዕራፍ 1፡5 ፡ ኣብ ሂወትካ(ኪ) ንምትንሳእ የሱስ ክርስቶስ ተዳሎ(ለዊ) ከሞኡ ዉን ንእኡ እነኖ። ወንጌል የውሃንስ 3፡16 “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ሓበሬታ Deutschland-Begleiter.de ተወከስ(ሲ)።

እግዚእቢሄር እምላኽ ኣብ ግዜ ጸገምና ክንውከስ ንኣብነት ኣብ (መዝሙር ዳዊት 50፡15) ተወከሎ- ተወከልዮ ንሱ ንዓኻ(ኺ) ከም ዝርዳካን(ክን) ከም ዝምልሰልካን(ክን) ዋላ ዉን ሓደ ሓደ ግዜ ዘይከምቲ ዝተጸበኻዮ(ኽዮ) እንተመሰለ ዉን።

ኣብ ናይ ሓቂ እምነት እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ተለኻ(ኺ) ንእሽተይ ማሕበራዊ ኣምልኾ ወይ ፍሉይ ምልክት ንኣብነት ኣብ ግዜ ጸሎት ሽምዓ ብምውላዕ ከም ፍሉይ ምልክት ወይ ነቲ ሕጂ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ዝገበረልካ(ኪ) ዘሎ ብምእማን ትገብሮ(ርዮ) ምልክት ሓንቲ ንእሽተይ ብጽራብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ልቢ ኣብ ጁባኻ(ኺ) ብምሓዝ ኩሉ ግዜ ንቃላቱ ንምዝካር ይሕግዘካ(ኪ) እዩ። እንድሕር ኣብ ኢድካ(ኪ) እንተ ሒዝካያ ምስ ናይ ምስጋና ጸሎት ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይጅምር።

ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ወይ ድማ ማሕበር ናይ ክርስትያን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከትምልኽዎን ከሞኡ ውን ንሓድሕድኩም(ክን) ክትተሓጋገዙ(ዛ) ትኽእሉ(ላ) ኢኹም(ኽን) ምስ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ንምንባር።

Download

You can download this article in your language as a pdf-file: