ከመይ ትዉዕሉ። ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን። ሰሰናዩ ንምነየልኩም።
እንቋዕ ናብ ጀርመን ብደሓን መጻእኩም። እንቋዕ ናብዛ ናይ ኢንተርነት ዌብ-ሳይት ድማ ብደሓን መጻእኩም። እዚ ሒዝናልኩም ዘለና ሓበሬታ ኣብ ጀርመን ናብራ ኣብ ጀርመን ከመይ እዩ ዝሕብር እዩ።
ፍሉጥ እዩ ነገራት ከምቲ ዝተጸበኹምዎም ኣይጸንሑኹምን። ኣብ ጀርመን ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት ቅዲ ህይወት ሒዞም ይነብሩ። ስለዚ ድማ ዓዲ ጀርመን ፍልይ ዝበለ ናብራ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ገለ ገለ ኣገደስቲ መሰረታዉያን ክንፈልጦም ዘለዉና ነገራት ኣለዉ።
ጀርመን ምናልባት ሓዳሽ ገዛኻ ክትከዉን ትኽእል እያ። እምበኣርከስ ንሕና ድማ ከመይ ጌርካ ምስ እዚ ናይ ጀርመን ሕብረተሰብ ከምእትኽል ዝሕብሩ ሓበሬታታት ክንህበካ ንፈቱ። ንጀርመናዉያን ቅዲናብራኦምን መዓልታዊ ሂወቶምን ዝድህስስ ንዓኻ ድማ ክትርድኦም ይሕግዝ እዩ ዝበልናዮ ትሕዝቶ ሒዝናልካ ኣለና።
እምበኣር በቲ ሕግታት ክንጅምር። ኣብ ጀርመን በብዓይነቱ ሕግታትን ስርዓታትን ኣሎ፣ እምበኣር ከመይ ዝበለ ሕግታት ምዃኑ መታን ክትፈልጥዎን ብእኡ ክትመላለሱን ንሕብረኩምን ነተባብዓኩምን። እዚ ሕግታት እዚ ንህይወትና ጥዑምን ቀሊልን ይገብሮ፣ ናጽነት ዝመልኦ ይህወት ምዕባለን ድማ ይህበና፣ ናብራና ድማ ኣዝዩ ብሉጽ ይኸዉን፣ ምስ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም ዝተፈላለየ ዓይነት ሕልምታትን ድማ ብሓባር ትርጉም ዘለዎ ህይወት ንነብር።
ኣብ ጀርመን ምስ መጻእካ ኩሎም ቤተሰብካን ኣዕሩኽትኻን ምናልባት ኣብ ርሑቕ ሃገር ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ሓድሽ ርክባትን ምሕዝነትን ምግባር ድማ ቅሊል ኣይኮነን። ንሕና ግን ምስ ጀርመናዉያን ኮነ ምስ ዝኾነ ካልእ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ክፉት ኮንካ ክትቀርብን ሰባት ክትላለን ነተባብዓካ። እዚ ንሕና ንቅርበልካ ዘለና ሓበሬታ ብፍታዉና ብነጻ ዝኾነ ክፍሊት ዘይብሉ እዩ ምኽንያቱ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ክቡር ስለ ዝኾንካ ንመጻኢ ድማ ብኣካል ክንላለየካ ኣዚና ንደሊ። እምበኣር ሕጂ ደጊምና ነተባብዓኩም ናብ ዉሽጢ ናይ ጀርመን ባህልን ኣገባብን ክትርድኡ። ከምኡ ድማ ቀልጢፍኩም ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ንዓዲ ጀርመን ድማ ብዝበለጸ ክትፈልጥዋ። ኣብዛ ናትና ዌብ-ሳይት Deutschland-Begleiter.de ድማ ብዙሕ ግዚያዊ ዝኾነ ሓበሬታት ትረክብ ኢኻ።