Sprache waehlen

ምትእምማን ቅንዕነትን

[Translate to Tigrinya:] Vertrauen und Ehrlichkeit
Foto: Dieter Schütz, pixelio.de

Feel free to share it

ኣብ ኣዉሮጳ ብፍላይ ድማ ኣብ ጀርመን ሰባት ናይ ዓሌት ወይ ባህሊ ወይ ስድራቤት ዶብ የብሎምን፣ ምስ ዝኾነ ሰብ ክመሓዛዘዉን ኣዕሩኽ ክኾኑን ይኽእሉ እዮም፣ ሓንቲ ነገር ግን ኣዝያ ተገድሶም ነገር ኣላ ንሳ ኸኣ ምትእምማን እያ፣ እሙን ክትከዉን ኣለካ ሓቀኛ ክትከውን ኣለካ ምኽንያቱ ሰባት ክትሕስዎም ኣይፈትዉን እዮም። ኩሉ ግዜ ሓቂ ክትዛረብ ኣለካ። ከምዚ ምስ እትገብር ሰባት ክኣምኑኻ ይጅምሩ ዕርክነትካ ድማ እንዳ ደልደለ ይመጽእ።

ግሉጽነት ምልክት ናይ ኣኽብሮት እዩ

ካልእ ፍልይ ዝበለ ነገር ድማ ጀርመናዉያን ኖኖእ ክብሉ ከለዉ እዩ። ንኣብነት ንዝኾነ ዕድመ ትዕድሞም እሞ ኣይጥዕመንን እዩ እንተ በሉኻ፣ ካልኣይ ሻዕ ኣይትሕተተኒ ማለት ኣይኮነን፣ ግን ነታ መዓልቲ ኣይትዕመንን እያ ካልእ ግዜ ምናልባት ማለት እዩ። ወይ ዉን ንስኻ እንተ ተዓደምካ እሞ እንተ ዘይጥዕመካ ኮንይኑ ኣይጥዕመንን ብምባልካ ዝቕየም ወይ ሕማቕዝስምዖ ሰብ የለን። እዚ ነገር እዚ ኣብ ዝኾነ መዳይ ናይ ህይወት ግልጺ ኮንካ ነጻ ምርጫ ክትመርጽ ከም ዘለካ ይሕብር።

Download

You can download this article in your language as a pdf-file: