Sprache waehlen

ኮርናን ዕድላትን ኣብ ጊዜ ቀውሲ

ኣየናት ግላዊ ዕድላት ከምጽኣልካ ይኽእል እዚ ናይ ኮረና ቀውሲ፧ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስኡ ኣካይደኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ-ስለምንታይ እዮ መብዛሕቲኡ ነገርከ ምስ ናይ ርመን ባህሊ ምትሕሓዝ ዘለዎ፧

ኮርናን ዕድላትን ኣብ ጊዜ ቀውሲ

Feel free to share it

ኮረና-ዓለምና ኣብዚ ግዜ እዚ በኮረና ትመሓደር ኣላ። ወለሓደ ሰብ ኣብዚ ጊዜ ውሑስ ኣይኮነን, ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ፕላኔትና ንፖለቲካ፡ ንቑጠባ፡ ንኣተሓሳስባን ዘረባን ብሓፈሻ ንኹሉ ሓድሕዳዊ ምንቅሳቓሳት ተቖጻጺርዎ ይርከብ።
ኣብ ጊዜ ቀውሲ ኮረና ከመይ ጌርና ክንሓስብን ክንንቀሳቐስን ይግበኣና፧ ካብዚ ቀውሲ ምናልባት ዕድል ኣለና’ዶ፧ ኣብዚ ኣብ ክርስትያናዊ እምነትን ሰብኣዊ ስእልን ዝተሞርከሰ ኣተሓሳስባ ክንህበካ ንደሊ።እዘን ክልተ ነገራት ኣብ ናይ ርመን ባህሊ ንኣማኢት ዓመታት ዝተታሓሓዛ እየን። ዎላ ውን ኩሎም ሰባት ከምቲ ናይ ቀደም ኣመንቲ ኣይኹኑ ደኣ እምበር፡ ኣብ ርመን ግን ክሳብ እዚ ጊዜ ኣብ ናይ ሓባር ናብራ መሰረታውያን ነገራት እየን።

ክርስትያናዊ መልሲ ኣብ ጊዜ ቀውሲ ኮረና

ኣብ ክርስትያናዊ መርገጺ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማዕረ እዮ ዝብል፡ ኣብዚ ዓዲ ውን ዳርጋ ብነፍሲ ወከፍ ሰብ ይኽበር እዮ። እዚ ነገር ኣብዚ ናይ ኮረና ቀውሲ ውን ዝተንጸባረቐ ተግባር እዮ፦ ብዙሓት ሰባት ንዓበይትን ንድኹማትን፡ ንናእሽቱ ትካላትን ወዘተ ምትሕብባሮም ዘርኣይሉ እዎን እዩ።
ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ እንተፈሊጦሞ፡ ንዕኡ እንተኣሚኖሞ ብፍቓዱ እንተኸይዶም፡ እዞም ዝስዕቡ ለውጥታት የምጽእሉ፡

ቀዳማይ፡ ብርቱዕ ዝኾነ ፍርሃት ካብዚ ቫይረስ ኣይህልወክን: ምኽንያቱ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ስለዘለኻ። ዎላ ውን በዚ ሕማም እንሞትካ :ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ተስፋ ዝኣተወልካ ናይ ዘለኣለም ሂወት ክትረክብ ኢኻ። ክርስትና እምነት ድሕሪ ሞት ሂወት ከም ዘሎ በጽኑዕ ይኣምን።

ካልኣይ፡ እቲ ካብ መንግስቲ ዝወጸ ትእዛዛት ብምጥሓስ፡ ብዘይ ምጥንቃቕ ወይ ውን ንኻልኦት ሓደጋ ክበጽሕ ይኽእል እዮ ንኣብነት ዎላሐደ ከጋጥም ኣይክእልን እዮ ብምባል ምስ ቤተሰብ ምርኻብ ወይ ውን ምስ እኩባት ሰባት ፌስታ ምግባር። እቲ ኣብ ሓድሕዳዊ ዘሎ ርክባት መታን ከይሰናኸል ብዙሓት ቤተክርስትያናት ኣኼባታተን ብናይ ማሕበራዊ መራኸቢታይ የመሓላልፍኦ ኣለዎ።

ሳልሳይ፡ ኣብዚ ግዚ እዚ ብዛዕባ ርእስኻ ክትሓስብ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ኣስቤዛ ውን ክትገዝእ ኢኻ ክሳብ ንኻልኦት ዘይተርፎም። እዚ ግን ክኸውን ኣይግበኦን: ንኣብነት ንሕና ንድኹማትን ዓበይትን ኣብ ኣስቤዛ ዝገብሩሉ ክንተሓጋገዞም ይግባእ።

ኣብ ጊዜ ኮረና ማዕረክንደይ እዮ ወዲሰብ ክቡር፧

ኣብ ርመን ነፍሲ ወከፍ ብገንዘብ ዘይክፈል ማዕረ ክብሪ ኣለዎ: ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ቆልዓ- ዓቢ ወይ ኣረጊት ሰብ፡ ድኻ ወይ ሃብታም። ነፍሲወከፍ ማዕረ ቀለብን ሕክምናዊ ምንክብኻብን ክረክብ ኣለዎ። ስለዚ እዮ እቲ ናይ ሕክምና ኣድላይነት ኣብ ፖለቲካ ዝለዓለ ትርጉም ዘለዎ ካብ ቁጠባ ኣድላይነት።
 

ክንደይ ስልጣን ኢና ንህቦ ነዚ ቫይረስ፧

ኮረና ማለት ናይ ዓወት ኣኽሊል- ማለት እዚ ካብ ናይ ርመን ቃል „Krone“ “ኣኽሊል” ዝተወስደት እያ። ከም ክርስትያናት መጠን ንወላሓደ ቫይረስ ኣብ ኣተሓሳስባናን ሂወትናን ክገዝኣና ኣይነፍቅድን ኢና- ኣብ ልዕሌና ዝገዝእ ኣምላኽ ጥራይ እዮ።ንዕኡ ጥራይ እዮ እዚ ኣኽሊል ስልጣን ዝግብኦ።

ዕድላት ኣብ ጊዜ ቀውሲ

መደምደምታ፡ እዚ ቀውሲ ዕድላት ውን ኣዳልዮልና ኣሎ፡ እዞም ዕድላት- ዎላ እኳ ምናይ 2 ሜትሮ ርሕቀት እንተገበርና ኣብ ነንሕድሕድና ዕርቂ፡ አብ ነንሕድሕድና ምትሕግጋዝ፡ ብሓንሳብ ምዕላልን ምጽላይን-እዚ ውን ብቴለፍን ወይ በማሕበራዊ መራኸብታት ግን ክንገብሮ ነኽእል ኢና።

እዚ ኣብ ገዛ ኣብ እተጸንሓሉ እዎን፡ ውሽጥኻ እትሃድእሉን አብ ህወትካ ኣገደስቲ ዝኾነ ሕቶታት ትሓትሉን ክኾነልካ ነዚ ጊዜ እዚ ተጠቐምሉ፡ ካበይ እየ መጼ ንምንታይ ከ ይነብር ኣለኹ ኢልካ ሕተት፧

ኮረና ቫይረስ ከም መበራበሪ ኣብ ሂወት

ነዚ ቀውሲ ኣምላኽ ናብኡ ንኽትምለስ ደልዮ የንካሕኩሕ ከም ዘሎ ጌርካ ከም ሓደ ዕድል ተረድኣዮ። ኮረና ናብ ህያው ኣምላኽ ርእስኻ ትውፍይሉን ሂወትካ ውን ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ትመርሓሉን መበራትዒ ክኾነልካ ይኽእል እዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ቀታሊ ኮረና ቫይረስ ንዓኻ ኣብ ናይ ዘለኣለም ሂወት ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ እትነብረሉ ደጋፊ ክኾነካ ይኽእል እዮ።

እዚ ካብ ልቢ ንምነየልካ ሕቶ እንተኣለካ ውን ክንምልሰልካ ቅሩባት ኢና።

ኣምላኽ ይባርኽካ

Download

You can download this article in your language as a pdf-file: