Sprache waehlen

ናይ ሃገረ ፈደረላዊት ሪፖፕሊክ ርመን ዝግበር ባህሊ ኣብ ግዜ ሓዘን

ኣብ ሃገረ ፈደራልያዊት ሪፖፕሊክ ጀርመን ከመይ ጌርካ(ኪ) ኣብ ግዜ ሓዘን ከም ትሳተፍን ዉሽጣዊ ናይ ሓዘን ስሚዒትካ ከም ትገልጸን ፍሉጥ ባህሊ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ ድማ ሓደ ኣካል ነቶም(ተን) ሓዘንተኛታት ሰባት ምኽባር እዩ።

[Translate to Tigrinya:] Trauerkultur in Deutschland
Foto: rawpixel, 123rf.de

Feel free to share it

ከም ኣብ ኩሉ ባህልታት ዘሎ ከምኡ ውን ኣብ ሃገረ ፈደረላዊት ሪፖፕሊክ ጀርመን ዝተፋላለየ ኣብ ግዜ ሓዘን ዝግበር ባህሊ ኣሎ። ንኣብነት እንድሕር ሓደ (ንቲ) ናይ ቀረባ ሰብ ሞይቱ(ታ) ብኸመይ ሓዘንተኛታት ትበጽሕ(ሒ) ከሞኡ ውን ተጻናንዕ(ዒ) ትገልጸሉ ባህሊ ኣሎ። መሪር ሓዘን ሞት ናይቶም (ተን) ትፈትዎም (ትፈትየን) ሰባት ትገልጸሉ (ትገልጽሉ) መንገዲ ኣሎ። ንኣብነት፥ ብብኽያት (ትካዘ)፣ ጸሊም ክዳን ብምኽዳን ከሞኡ ዉን ጸሊም ካራባታ ዝመስል ምልክት ኣብ ስእሊ መዋቲ(ት) ብምግባር። ዉሽጣዊ ሓዘን ዝመረረ እዩ ካብ ልቢ ንደገ ዝወጸ ሓዘን።

ሓዘን ናይ ፍሉያት ህቡባት ሰባት ወይ ፍሉይ ሓደገኛ ኩነታት ምስ ዘጋጥም ሃገራዊት ባንዴራ (ኣርማ) ኣብ ኩሉ ህንጻታትን ኩፉት ቦታትን ኣብ ፍርቂ ትስቀል። ናይ ሓባር ሓዘን ድማ ይእወጅ!

ንሓዘንተኛታት ምጽንናዕ

ንሓዘንተኛታት ዝተሰምዓካ(ኪ) ሓዘን “ጸንዓት ይሃብኩም (ክን)” ብምባል ይግለጽ። ናይ ሓዘን መልእኽቲ ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ፖስት ካርድ ከሞኡ ውን ስሕት ኢሉ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ነቲ ዝኸበረ ገንዘባዊ ወጻኢታት ዝሓትት ንምሽፋን ይወሃብ። ኣብ ግዜ ቀብሪ (ሓመድ ደበ) ኣብ መቓብር ሕቋፍ ዕንበባ ይቅመጥ። ከም ምልክት ናይ ምፍልለይ ናብ ዘልኣለማዉነት ካብ ሓዘንተኛታት ይኸዉን። ከሞኡ ዉን ኣብ ሃገረ ፈደረላዊት ሪፖፕሊክ ጀርመን ሬሳ ናይቲ(ታ) ዝሞተ(ቲ) ሰብ ብምቅጻልን፥ *ነቲ ሓሙኹሽቲ ናቲ ዝተቓጸለ ሬሳ ኣብ ፍሉይ ናይ ሬሳ ሓሙኽሽቲ መትሓዚ ዕትሮ* ይእከብ። ምኽንያቱ መካነ መቓብር ንእሽተይ ቦታን ስለ ዘድልዮን ዋግኡ ዉን ዉሑድ ስለ ዝኾነን ንምክንኻን እቲ መቓብር ዉን ብዙሕ ሃልኪ ሰለ ዘየድልዮን።

ምሙጓስ (ምንኣድ) ንመዋቲ(ት) ብዛዕብኡ(ኣ) ብዙሕ ሕማቕ ዘይምዝራብ፡ ቅድሚ ሞትን ድሕሪኡን ሂወት መዋቲ(ት) ሕጽር ብዝበለ ኩሎም መቕርብን መሓዙትን ፈለጥትን መዋቲ(ት) ከመይ ዓይነት ትርጉም ከም ዘለዎ ምግላጽ። ነዚ ዝበዝሕ ግዜ ብሓባር ብምእካብ ቅልል ዝበለ መግቢ ብምድላውን ንሕጽር ዝበለ ግዜ ብምእካብ መዋቲ(ት) ይዝከር፡ ብህዝባዊ ወይ ማሕበራዊ ኣጸዋውዓ ዉን *ተዝካር* ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

ኣብ ጎኒ እቲ ባህላዊ ናይ ምጽንናዕ ጽንብል ብመንፈሳዊ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ቤት ጾሎት ዓለማዊ ዝኾነ መጸናንዒ ዘረባ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ዘይኮነ ዘረባ እንድሕር መዋቲ(ት) ወይ ዝተረፉ መቅርብ ኣባላት እቲ ቤተ ክርስትያን ዘይኮኑ።

ክርስትያናዊ እምነት

ክርስትያን ብዉልቃዊ ዝምድና ወይ ድማ ርክብ ምስ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሞት ዘልኣለማዊ ሂወት ምስ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ብምፍላጥ ድሕሪ ትንሳኤ ሙዉታን ኣብ ዘልኣለማዊ ሂወት፡ መት ስልጣን የብላን። በዚ ምኽንያት ነቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ዝነብሩ ሰባት ምጽንናዕን ዘየቓርጽ ሓጎስን ከምኡ ውን ዳግማይ ከም ዝራኸቡ(ባ) ብምትእምማን ፈልጡ(ጣ) እንተ ደኣ ገዛእ ርእሱ(ሳ) ምስ የሱስ ክርስቶስ ይመላለስ (ትመላለስ) ወይ ድማ ይጎዓዝ (ትጎዓዝ) ኣላ። እዚ ካብ ናይ የሱስ ክርስቶስ ቃላት ዝመጸ እዩ፡ ኣብ *ወንጌል የውሃንስ 5፡24* ከምዚ፥ “እቲ ንቓለይ ዝሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣላቶ፡ ንሱ ካብ ካብ ሞት ናብ ሂወት ተሰጋገረ እምበር ናብ ፍርዲ ከም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ” ይብል። ብሞቱን ትንሳኤኡን ንሕና ከም ህዝቢ ዋጋ ሓጥያትና ብምኽፋል ካብ እግዚኣቢሔር ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ነብሱ ብምጻር ወዲእዎ እዩ በዚ ድማ መንገዲ ናብ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ናጻ ከፊትልና። *ዓመታዊ በዓል ፋሲካ* ነዚ እዩ ዝገልጸልና። ስለዚ ድማ ኣብ ግዜ ቀብሪ (ሓመድ ድበ) ብኣመንቲ ክርስትና መብዛሕትኡ ብጣዕሚ ተፋን ሓጎስን ዝህብ መዝሙራት ይዝመር፡ ገለ ገለ እዋን ዉን ጸሊም ናይ ሓዘን ክዳን ዘይምኽዳን ጽምረጽ ምኽንታቱ እቲ ናይ ሓዘን ኣገባብ ብዙሕ ናይ ኣሉታዊ ምልክታት ስለ ዘንጸባርቕ።

ብዘይካ'ዚ ብመኽንታት ክርስትያናዊ ዝኾነ ተስፋ ንምጽንናዕ ሓዘንተኛታት ኣብ ሃገረ ፈደራላዊት ሪፖፕሊክ ጀርመን ብኣዝዩ ዉሑድ ዝኾነ መጻናንዒ ቃላት ይፍጸም፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ዉን ብዓለማዊ ዝኾነ ኣበሃህላ፥ ህላውነት ማለት ብሂወት ኣብ ዝሃለወሉ (ዝሃለወትሉ) ግዜን ኣብ ግዚኡን ንፍላጥ፥ ነቲ ዘልኣለማውነት ኣበይ ከም ትሕልፎ ከም ትደሊ(ዪ) ምፍላልጥ እዩ።