ዳርጋ ኩሎም ጀርመናዉያን ናብ ቤተክርስትያን ይኸዱ እዮም። እዚ ድማ እምነት ክርስትና መሰረታዊ ነገር ናይ ሕብረተሰብና ምዃኑ የርኢ። ግናኸ ሎሚ እምነቱ ዘካፍል ዳርጋ የለን ክንብል ነኽእል። እምበኣርከስ ንሕና ግልጺ ዝኾነ መግለጺ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ክንህበኩም።
ክርስትያናት ኣብ ሓደ ኣዝዩ ፈቃርን ኩሉ ዝኽእልን ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነን ኣምላኽ ይኣምኑ። ኣምላኽ ድማ ምስ ሰብ ሕብረት ክገብር ስለዝደለየ ንሰብ ሓራ ፍጡር ጌሩ ፈጢርዎ። ሰብ ግን ነቲ ካብ ኣምላዝተዋህቦ ሓርነት ኣባላሽይዎ። ካብ ኣምላኽ ዓልዩ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ። ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ፣ ማለት ሓጢኣት ጌሩ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ድማ ደምሲስዎ።
ኣምላኽ ግን ንፍጡራቱ ስለ ዘፍቅር ንወዱ ናብ ዓለም ሰደዶ፣ ብእኡ ጌርና ድማ ምስ ኣምላኽ ክንተዓረቕ መታን። መርኣዪ ዕርቁ ድማ መስቀል እዩ። ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ መስቀል ክምብርከኹ ከለዉ ማዕረ ክንደይ ኣኽብሮት ከምዘለዎም ነቲ ናይ ዕርቂ ስራሕ ኣብ መስቀል ዝተገበረ የርኢ። ስለዚ ድማ መስቀል ናይ ዕርቂ ምልክት ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝተገልጸሉ ቦታን እዩ ንብሎ። የሱስ ኣብ መስቀል ብሙማት ዕርቂ ገበረልና፣ በዚ ከምዚ ከኣ ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ የፍቅረናን ክንዕረቖ ይደልየናን ንርኢ። እምበኣር ክርስትያን ምዃን ማለት ሓጥያትካ ተነሲሕካ ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ ኣለት እዩ። እዚ ከኣ በቲ የሱስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ዕርቂ ምእማን ማለት እዩ። እዚ ምስ እትገብር ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለካ። እዚ ኣምላኽ ዝኣተወልና ቃል እዩ፣ ብዝኾነ ነገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ኣይንኽእልን። ከም ክርስትያን ድሕሪ ሞት ናብ ህይወት ከም እንኸይድ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። መጽሓፍ ቅዱስ እንኮ ዓንዲ ናይ ክርስትና እምነት እዩ። ክርስትያናት መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ መገዲ እምላኽ ዘፍልጥ ስልጣን ሞትን ህይወትን ዘለዎ መጽሓፍ ምዃኑ ንእምን።