ወዲ ሰብ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ብዙሓት መዋእል ግዜ እዩ ወሲዱ። ከምኡ ድማ ኣዉሮጳ ከምዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ክኸዉን ብዙሕ እዩ ወሲዱ። ናይ ኣዉሮጳ ታሪኽ ምስ ክርስትና ዝተሰረተ እዩ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣዉሮጳ ኣብ ክርስትና ይኣምን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዉን ይኣምን። ኣገዳሲ ነጥቢ ናይክርስትና ድማ ነጻነት እዩ። የሱስ ንሰባት ኩሉ ግዜ ብገዛእ ምርጫኦም ክስዕብዎ እምበር ተገዲዶም ክስዕብዎ ኣይፈቅድን እዩ። እምበኣር ነጻነት ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝሃቦ መሰል እዩ ሓደ ሰብ ዝመሰሎ ክመርጽ ሓራ እዩ ግናኸ ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽካ ንኣምላኽ ክትስዕብ ከለኻ ዓስቢ ኣለዎ። ኣብ ጀርመን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእርእሱ ሓርነትን መሰልን ኣለዎ። ሰብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣለዎ፡ ማዕከናት ዜና ካብ ዝኾነ ዓይነት ናይ መንግስቲ ምትእትታዉ ነጻ እየን፣ ቤት ፍርድታት ዉን ብሕጊ ጥራይ እዩ ሰርሕ እምበር ብናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን።
ዉልቃዊ ሓርነት ንጀርመናዉያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ሰብ ብዉልቁ ክምዕብል ክዋሳእ ክንቀሳቐስ መሰሉ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ናይ ካልኦት መሰልን ሰላምን እንዳ ገሃስካ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ክሳዕ 7 ናይ ንግሆ ዓዉ ዝበለ ድምጺ ጌርካ ጸጥታ ክትርብሽ ኣይፍቀድን እዩ ምኽንያቱ ሰብ ዝድቀሰሉ ሰዓት ስለዝኾነ ሰባት ድማ ብሰላም ይድቅሱ። ከምኡ ድማ ካብ ሰኣዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ክሳዕ ሰዓት 3 ድምጺ ክርብሽ የብሉን። ከምኡ ድማ ሰንበት ክኸዉን ከሎን ካልእ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክኸዉን ከሎን። ስለዚ ድማ ከምዚ ዓይነት ሕግታትን ነዚ ዝመስሉ ካልኦትን ድማ ነቲ ሕጊ ሓርነት ከማቕል ከሎ የርእየና። ሰብ ይርእየኒ የለን ዒራ ኢልካ ወላ ሕጊ ኣይፈርስን እዩ።