ኣብ ጀርመን ወልቀሰብ ካብ ሕብረተሰብ ወይ ካብ እኩባት ሰባት ንላዕሊ የገድስ። ዉልቃዊ ሓርነትን ዉልቃዊ መሰልን ማዕርነት ናይ ሕግን ኣብ ዉልቀሰባት ዝለዓለ ቀዳምነት ኣለዎ። ኣብ ጀርመን ኮነ ኣብ ኣዉሮጳ ኩሉ ሰብ ማዕረ እዩ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፣ ጻዕዳ ይኹን ጸሊም፣ ካብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ይኹን ብህሊ፣ ድሕረባይታኡ ብዘየገድስ። ሰለ ከምኡ ኢና ከኣ ጓና እዩ ኢልና ዘይንንዕቕ። መርሓባ ንብል ኩሉግዜ ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስደትኛ ኩን ወላ ወዲ ዓዲ ሓደ ኢኻ።
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ሰበይቲ ዉልቃዊ ናጽነት ኣለዋ ከምኡ ድማ ሰብኣይ። ሰበይቲ ኮነ ሰብኣይ ዝደለይዎ ክኽደኑ ይኽእሉ እዮም መሰሎም እዩ ዝሓቶም ድማ የለን። ሕጺር ክዳን ምኽዳን ምስ ሓርነት እዩ ዝተሓሓዝ እምበር ንዝኾነ ጾታዊ ነገር ዝዕድም ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ሓጺር ክዳን ተኸዲና ኢልካ ኣቶኪርካ ክትጥምታ ጽቡቕ ኣይኮነን። ጋሻ ክትክቅበል ከለኻ ድማ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ማዕረ ጌርካ ክትቅበል ይግባእ። ሰብኣይን ሰበይትን እንተ መጹኻ ድማ ቅድም ነታ ሰበይቲ ሰላም ምባል ጽቡቕ ኣኽብሮት እዩ።