Sprache waehlen

ልደት ኣብ ጀርመን

[Translate to Tigrinya:] Weihnachten in Deutschland

Feel free to share it

በዓል ልደት ኣብጀርመን ኣዝዩ ኣገዳሲ በዓል እዩ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝዓበየ በዓል እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ብዙሕ ጽምብል ይግበር። ልደት ክቐርብ ከሎ በብዓይነቱ ሕብስታትን ኬካክትን ብሽኮትታትን በብዓይነቱ ልችታትን ብብዓይነቱ ክዳዉንትን ይግበር። ግዛዉቲ ብዘንጸባርቕ ብርሃን ዘልዎ ልችታት ይስለም፣ ጨንፈር ናይ ጽሕዲ ድማ ብብዙሕ ብልጭልጭ ዝብል ስልማት ተሰሊሙ ፈቐዱኡ ንርኢ። ሰባት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጽምብል ክገብሩ ምስ ኣዕሩኽቶም ክራኸቡ ንርኢ። በዓል ልደት ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ካብ ድንግል ማርያም ብተኣምራት ክዉለድ ስለ ዝገበረ ኢና ምዉላድ ናይ የሱስ እነብዕሎ። የሱስ ንዓለም እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ኣምላኽ እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ ህያብ ምሃብ ሓደ ካብቲ ናይ ልደት ኣዝዩ ኣግዳሲ ክፋል። ኣምላኽ ኣብ የሱስ ሰላምን ፍቕርን ሂቡና ንሕና ድማ ምስ ቤተ ሰብናን ኣፍቀርትናን ኮንና ከነንጸባርቖ ዘላና።

ህያባትን ጽቡቕ ሃዋህውን

በዓል ልደት ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ካብ ድንግል ማርያም ብተኣምራት ክዉለድ ስለ ዝገበረ ኢና ምዉላድ ናይ የሱስ እነብዕሎ። የሱስ ንዓለም እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ኣምላኽ እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ ህያብ ምሃብ ሓደ ካብቲ ናይ ልደት ኣዝዩ ኣግዳሲ ክፋል። ኣምላኽ ኣብ የሱስ ሰላምን ፍቕርን ሂቡና ንሕና ድማ ምስ ቤተ ሰብናን ኣፍቀርትናን ኮንና ከነንጸባርቖ ዘላና።

ናይ ቤተክርስትያን መደብን ናይ ልደት ታሪኽን

ኣብ ድሮ ልደት ወይ ድማ ዕለት 24 ዳርጋ ኩሉ ሰብ ናብ ቤተክርስትያን ይኸይድ፣ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ባህልታት ናይ ጀርመናዉያን እዩ። እቲ ናይ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ድማ ንኹሉ ሰብ ክፉት እዩ ዝኾነ ሰብ ድማ ክመጽእ ዕዱም እዩ፣ ወላ ክርስትያን ኣይኹን። ቆልዑት ድማ ኣብቲ ቀጽሪ ናይቲ ቤተክርስታያን ክጻወቱ ትርእዮም ድሕሪ ዛንታ ናይ ልደት ምስምዖም። እቲ ዛንታ ከምዚ ይመስል። ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ሒዞም ናብ ርሑቕ ዓዲ ናብ ቤትልሄም ገሹ ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ይቑጸር ኔሩ። ማርያም ኣብ ቤትልሄም ኣብ መብልዒ ማል ንየሱስ ወለደቶ። ጓሶት እቶም ናይ መጀመርታ መድሓኒ ከም ዝተወልደ ዝገለጡ እዮም ምኽንያቱ መላእኽቲ ኣምላኽ ንዕኦም ነጊሮሞም ቅድም። ብድሕርዚ ሰብ ጥበብ ብኮኾብ ተመሪሖም ናብቲ ተወሊዱሉ ዝነበረ ቦታ መጹ። እዚ ታሪኽ ብባምቡላታት ዝመስሉ ቅርስታት ኣብ ዉሽጢ ቤትክርስትያን ይንገር። ኣብ ግዜ በዓል ልደት ፌስታን በብዓይነቱ ዜማታትን ግጥምን ብዛዕባ ምዉላድ ናይ’ቲ መድሓኒ ፈቐዱኡ እዩ ዝርአን ዝስማዕን። ከምኡ ድማ ኣዝዩ ዉቁብ ዘብለጭልጭ ልችታት ብዓይንኻ ክትርእዮ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ። ድሕሪ እዚ ናይ ቤተክርስትያን መደብ ሰባት ቀልጢፎም ናብ ገዝኦም ይኸዱ፣ እተን ተሪፈን ዘለዋ ናይቲ ምሸት ሰዓታት ምስ ቤተሰቦም ከሕልፍወን መታን።

ዝተፈለየ ጊዜ

ዕለት 25 ከምኡ ድማ ዕለት 26 ኣብ ጀርመን ኩሉ ድኳን ተዓጽዩ ኩሉ ሰብ ድማ ነናብ ቤተሰቡ ይኸይድ፣ ብዙሕ ጫዉጫዉ ዉን የለን። ብዙሓት ሰብሓዳር ድማ ናብ እንዳ ሓኡኦም ይኸዱ። በዓል ልደት ናይ ክርስትና በዓል እዩ ኣብ ናይ ጀርመን ሕብረተ ሰብ ድማ ሱር ዝሰደደ ጽምብል እዩ። በዓል ልደት ምስ ሓለፈ ከኣ ሓድሽ ዓመት ይስዕብ፣ ብዓበይቲ ርሽታት ድማ ይጽምበል። ርሑስ ብዓል ንምነየልኩም።

Download

You can download this article in your language as a pdf-file: